Fana: At a Speed of Life!

ሜታ ብምኽኒያት ክልከላ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ 550 ሺሕ ኣካውንታት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሜታ ብምኽኒያት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተገበረ ክልከላ ማሕበራዊ ሚዲያ 550 ሺሕ ኣካውንታት ኣጊዱ።

እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ከልከላ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘንብር ሕጊ ተግባራዊ ገይራ።

ስለዝኾነ ካብ 10 ታሕሳስ 2025 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ ተሕቲ 16 ዓመት ንዝኾኑ ሰገናት ኣገልግሎት ምሃብ ንከይኽእሉ ዝተደንገገ ሕጊ ኣብ ስራሕ ምውዓል ጀሚሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ክልከላ ኣብ ዝጀመረትሎም  መዓልታት ኣስታት 550 ሺሕ ኣካውንታት ብሜታ ከምዝተኣገዱ ተገሊፁ።

ነቲ ስጉምቲ ዝድግፉ ኣካላት፥ ህፃናት ካብ ጎዳእቲ ትሕዝቶታትን ኣልጎሪዝምን ንምክልኻል ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ይገልፁ ኣለዉ።

ሜታን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኩባኒያታትን ናይቶም ሰገናት ናይ ኦን ላይን ድሕንነት ንምሕላው ክስርሑ ዘለዎም ተወሰኽቲ ዛዕባታት ከምዘለዉ ምስምዕምዖም ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.