ምሁራን ኬንያ ንልምዓት ተፋሰስ ሃገራት ልዑል ኣስተዋፅኦ ብዛዕባ ዘለዎ ግድብ ህዳሰ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁራን ኬንያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳርን ልምዓት ተፋሰስ ሃገራት ናይልን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ዌበር ምሁር ኢኮኖሚክስ ዝኾኑ ጆን ሙኩም ምባኩ ንቴሌቪዥን ኬቢሲ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሩባ ናይል 86 ሚኢታዊ ብፅሒት ዘለዋ ኢትዮጵያ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፀገማ ክትፈትሕ ዘኽእል ኢዩ።
ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያን ንተፋሰስ ሃገራት ኣባይን ናይ ለውጢ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ ግድብ ንዞባዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ዕቤትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ነበር ዋና ዳይሬክትር ኢኒሼቲቭ ተፋሰስ ናይል ጆን ራኦ ኒያሮ ብግደኦም÷ እቲ ግድብ ብዝምልከት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1929ን 1959 ዝተገበሩ ስምምዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ማይ ኣባይ 86 ሚኢታዊ ብፅሒት ንዘለዋ ኢትዮጵያ ዘግለሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቶም ስምምዓት ብተፃራሪ ኣብቲ ሩባ ምንም ኣስተዋፅኦ ዘይብለን ግብፂን ሱዳንን ጥራሕ ተጠቀምቲ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ግቡእ ከምዘይኮነ እውን ኣገንዚቦም።
ግድብ ህዳሰ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝፈትሕ ኢዩ ዝበሉ ጆን ራኦ ኒያሮ÷ ብተመሳሳሊ ግብፂን ሱዳንን ካብ ሓደጋ ደለልን ውሕጅን ከምዝሕልወን ኣብሪሆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!