ምሁር ብስምዒት ዝግናሕ ሰብ ኣይኮነን-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁር ብስምዒት ዝግናሕ ሰብ ኣይኮነን ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ምኽኒያት ብምግባር ነበር ተምሃራይ እቲ ዩንቨርስቲ ዝኾኑ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ “ግደ ምሁራን ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ የቕርቡ ኣለዉ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኣካዳሚያዊ ኣመራርሓን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ መበርሂኦም፥ ምሁር ብስምዒት ዝግናሕ ሰብ ኣይኮነን ኢሎም።
መግለፂ ምሁር፥ ሓሳብ ኣቕባሪን ፈታዊን፣ በዕምቆት ዝሓስብን ብዙሕ ዝሓትትን፣ ኣንባቢ፣ ተንታኒ፣ ፀገም ዝፈትሕን መፍትሒ ዝእልሽን ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።
እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ነዞም ጭብጥታት ዝድህስስ ከምዝነበረ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ፥ መበል 75 ዓመት በዓሉ ንምኽባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንትግበሩ ናይ ዝነበሩ ተኸታተልቲ መብርሂታትን ፕሮግራማትን መዛዘሚ ኢዩ።