ምልኣተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝሓለፉ 15 መዓልቲታት እናተኻየደ ዝቐነየ ምልኣተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ 2017 ዓ.ም ተዛዚሙ፡፡
ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ካብ ሞንጎ ዝካየዱ ምልኣተ ጉባኤታት ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደ ዝኾነ ርክበ ካህናት ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እቲ ምልኣተ ጉባኤ፤ ኣብ ጉዳይ እታ ቤተክርስቲያን፣ ዓበይቲ ሃገራዊን እዋናዊን ጉዳያት ከምዝዘተየን 16 ውሳነታት ከምዝተመሓላለፉን ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም፡፡
ኢትዮጵያውያን ዘይ ምርድዳኣት ብሰላምን ብዝርርብን ንኽፍትሑ እታ ቤተክርስቲያን ፃውዒት ምቕራባ እውን ገሊፆም፡፡
ምሰረ ልምዓት ኮሪደር ተተሓሒዙ ትሕዝቶታት እታ ቤተ ክርስቲያን መሊስካ ኣብ ምህናፅን መተካእታ ብመሃብን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝገበረኦ ምትሕብባር ኣመስጊኖም፡፡
እቲ ምልኣተ ጉባኤ በጀት እታ ቤተ ክርስቲያን 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ንኽኸውን ውሳነ ከምዘሕለፈ እውን ኣፍሊጦም፡፡
ካብ ኣስተምህሮ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝወፅኡ ስብከታት እናሃቡ ዝነበሩ ኣቦታት ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ስራሕ ንኽምለሱ እቲ ርክበ ጉባቤ ከምዝወሰነ ኣብሪሆም፡፡
ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ ዋና መካየዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ፓትርያርክ፣ ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ እውን ብፁእ ኣቡነ ህርያቆስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ፣ ሃድያን ስልጤን ብምዃን ኣብቲ ጉባኤ ርክበ ካህናት ከምዝተሾሙ ተሓቢሩ፡፡
ብፀጋዬ ንጉስ