ምሕደራ ፊስካል ንምጥንኻር፣ ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጉልባን ዝተዋደደ ስራሕቲ ሪፎርም ንምቅልጣፍን መንግስቲ ቆራፅ ኢዩ – ኣይተ ኣመድ ሺዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕደራ ፊስካል ንምጥንኻር፣ ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጉልባን ዝተዋደደ ስራሕቲ ሪፎርም ንምቅልጣፍን ቆራፅ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣመድ ሺዴ ገሊፆም።
ብኣይተ ኣህመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ሪፎርም ኢኮኖሚን ምስ ኣመራርሓ ኣይ ኤም ኤፍ ዘሎን ቀፃሊ ምሕዝነት ብዝምልከት ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ክሪስታሊና ጆርጂዬቫን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣይ ኤም ኤፍ ዲፓርትመንት ኣፍሪካን ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ 2025 ጉጅለ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ዝተኻየደ እንትኸውን፤ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሪፎርም ኢኮኖሚን ቀፃሊ ምትሕብባርን ዘድሀበ ኢዩ።
ብሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ገዛኢ ባንኪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፣ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተክለወልድ ኣጥናፉ ከምኡ እውን ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ብናልፍ ኣንዱዓለምን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ዘካተተ ኢዩ።
ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣይ ኤም ኤፍ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ብምምስጋን፣ መንግስቲ ምሕደራ ፊስካል ንምጥንኻር፣ ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጉልባን ዝተዋደደ ስራሕቲ ሪፎርም ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነት ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ምስ ኣይ ኤም ኤፍ ዘልዋ ዝፀንሐ ምሕዝነት ልዑል ግምት ትህቦ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ኣብ ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምምሕያሽ ናብራ ዜጋታትን ዘድሀቡ ድፍረት ዝሓቱ ስራሕቲ ሪፎርም ተግባራዊ እናተተገበሩ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስን ኣይ ኤም ኤፍ እዞም ዕላማታት ንምዕዋት ሓጋዚ ኮይኖም ከምዝቐፀሉ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።
እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ማዕቐፍ ሪፎርም ሰፋሕቲ ስጉምቲታት ማሕበራዊ ሓለዋ ብምዃን ንኢትዮጵያ እወንታዊ ኣረኣእያ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ወፃኢ መንግስቲ ምውሳኽ ብዝምልከት ነተን ዋና ዳይሬክተር መብርሂ ሂቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ብግደአን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ኣይ ኤም ኤፍ ንዝግበር መደብ ሪፎርም ጥንኩር ትግበራ ልዑል ናእዳን ምስጋናን ኣቕሪበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፎርም ርኡይ ዓወታት ኣፍልጦ ብመሃብ፤ ጥንኩር ዕቤት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበ፣ ዝቕባበ ዋጋ እናነከየ ከምዝኸደ ሓቢረን።
ኢኮኖሚያዊ ለውጢን ዘላቒ ፃዕሪታት መስተኻኸሊ ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ዋና ዋና መሓዙት ልምዓት ብቕርበት ንምድጋፍ ትካል ገንዘብ ዓለም ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!