Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ብምምልካት ን300 ሺሕ ነበርቲ መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ልዕሊ 300 ሺሕ ነበርቲ እታ ከተማ መኣዲ ኣካፊሉ፡፡

ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ ምንም ፍልፍል ኣታዊ ንዘይብሎም፣ ንማሕበራዊ ፀገም ንተቓልዑ፣ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎምን ዓቕመ ደካማ ወገናትን መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ተኻይዱ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ባል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ መግለፂ ፍቕሪ ብምዃኑ፤ አእቲ ምክፋል መኣዲ ንዝተፀገሙ ወገናትና ዘለና ፍቕሪ ብተግባር እንገልፀሉ ኢዩ ኢለን።

እቲ መርሃ ግብሪ ግዚያዊ ፀገም ንምሕላፍ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ጠጠው ንብልን ንዘላቒ ልምዓት እንተግህ ዓበይቲ ህዝቢታት ከምዝኾንና ብተግባር ዘረጋገፅናሉ ኢዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ልዑል ክብሪ ምርድዳእን ምትሕብባርን ዘፅንዕ ናይ ልግስና ተግባር ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣብ ኩሎም በዓላት ካብዘለዎም ንወገኖም ብምክፋል እዚ ሰናይ ተግባር ንኽዕወት ሓቢሮም ጠጠው ንዝበሉ ቅኑዓት ሰብ ሃፍቲ ከምኡ እውን ብትግሃት ንዘተሓባበሩ መናእሰይን ኣመራርሓን ምስጋና ኣቅሪበን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.