ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ትካላት ኣፍልጦ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ በጀት ዓመት ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብምስራሕ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ትካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ፡፡
እቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ዕዙዝ ስራሕ ብምስራሕ ናይ ህዝቢ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ልዑል ሓደራ ከምዝኾነ ከንቲባ እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ተረባሕነት ህዝብና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብምስራሕ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ቢሮታት፣ ትካላት፣ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ኣፍልጦን ሽልማትን ኣበርኪትና ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!