Fana: At a Speed of Life!

ምምራቕ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ኣብ ክልል ሃረሪ መግለፂ ታሕጓስ ሰልፊ ደገፍ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምራቕ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ኣብ ክልል ሃረሪ መግለፂ ታሕጓስ ሰልፊ ደገፍ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ገፀርን ከተማን ዝተውፃእፅኡ ነበርቲ ኣብ ከተማ ሃረር ብምእካብ ኢዮም እቲ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ።

“ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣብ ዘሎ መግለፂ ታሕጓስ ሰልፊ ደገፍ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ መንግስቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዘካይዶ ዘሎ ስራሕቲ ንኢዶም።

እቲ ግድብ ምዝዛሙ ናይ ሰዓርነት ዓወት ምንባር ኢዩ፤ ኣብ ቅኑዕ እዋን ዝተሃነፀ ዘበን ተሳጋሪ ቅርሲ፤ ግድብና ናይ ምኽኣል መርኣዪ ናይ ብራኸ ምልክት ፤ ግድብና ብናይ ባዕልትና ዓቕሚ ዝተሃነፀ ናይ ሓድነትናን ሕብረትናን ዓንዲ ዘብሉ ጭርሖታት ተደሚፆም።

ብተሾመ ሃይሉን ተስፋዬ ሃይሉን

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.