Fana: At a Speed of Life!

ምርጫ ንህንፀት ሃገርን ሰላም ንምፅናዕን ቀንዲ መድረኽ ብምዃኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ-ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምርጫ ንህንፀት ሃገርን ሰላም ንምፅናዕን ቀንዲ መድረኽ ብምዃኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሃመድ ኢድሪስ።

ሚኒስቴር ሰላም “ሰላማዊ መንቅስቓስ ፖለቲካ ንሰላማዊ ምርጫ” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተ ኣካይዱ።

ኣይተ መሃመድ፥ መፃኢ ምርጫ ውፅኢታዊ ኮይኑ ንክዛዘም ፓርቲታት ፖለቲካ ግደኦም ክዋፅኡ የግባእ ኢሎም።

ምርጫ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዘግለፀሉ መድረኽ ኢዩ እውን ኢሎም።

ፓርቲታት ፖለቲካ በዚ መንፈስ ድልዋት ንክኾኑ ኣገንዚቦም።

ስልጣን ብጉልባት ካብ ዝተሓዘሉ ዝሓለፈ ዘበን ዓውዲ ብምውፃእ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ውዕሊ መቐመጢ መድረኽ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብይስማው ኣደራው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.