Fana: At a Speed of Life!

ምስ ምቕባል ኣጋይሽ ተተሓሒዙ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ዝዕፀዉ መገዲታት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለወዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፍሰት ተሽከርከርቲ ንምቅልታፍን ምስ ምቕባል ኣጋይሽን ተተሐሒዙ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ሓፈሻዊ ምድላዋት ፀፅታ ብምዝዛም ናብ ስራሕ ምእታዉ ይፍለጥ፡፡

ፍሰት ተሽከርከርቲ ንምቅልታፍን ምስ ምቕባል ኣጋይሽን ተተሐሒዙ ምጭንናቕ ትራፊክ ከይፍጠር ዝዕፀዉ መገዲታት ላዕለወዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ብራስ ከምኡ እውን ካብ ቦሌ መድሃኔያለም ብኣትላስ ናብ ቅዱስ ኡራኤል ቤተ ክርስቲያን ዝወስድ መገዲ በቲ ጉባኤ መራሕቲ ምኽንያት ካብ ሎሚ 4 ካቲት 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ንተሽከርከርቲ ከምዝዕፀዉ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ኣጋይሽ ዝዓርፉሎም ቀንዲ ቀንዲ ኣደባባያትን ናይ ዕጀባ መስመራትን ኣሽከርከርቲ ቅድሚት ብመሃብን ትእዛዝ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ብምኽባርን ዝተለመደ ምትሕብባሮም ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.