ምስ ሞያተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተገበረ ዘተ ሓበራዊ ያታ ንምፍጣር ልዑል ግደ ኣለዎ-ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሞያተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ምስ መንግስቲ ተቐራሪቦም ምዝታዮም ሓበራዊ ያታ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ምሁራን ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን።
እቲ ዘተ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ልምዓት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ብመረዳእታ ብምድጋፍ ንምቕራብ ናይ ኣሰራርሓ ምቹእነት ንሚዲያታት ከምዝፈጥር እቶም ምሁራን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም።
መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚኒኬሽንን ዩንቨርስቲ ሃረማያ ደህናሰው ሽመልስ፥ ኣብ ሚዲያታት ዘሎ ጥንካረን በድሆን ዝተለለየሉ ዘተ ምንባሩ ገሊፆም።
መንግስቲ ሙያዊ ስነ ምግባር ኣኽቢሮም ንዝሰርሑ ሚዲያታት ደገፍ ንምግባር ቁርፀኝነት ምርኣዩ ንኢዶም።
መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚኒኬሽንን ዩንቨርስቲ ወልዲያ ሃብታሙ ሙሉጌታ ብግደኦም፥ እቲ ዘተ ረብሓ ሃገርን ነፃነት ሚዲያን መሰረተ ብዝገበረ መገዲ ንምዝጋብ ዝበለፀ ገልፅነት ዝሃበ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም