ምቁራፅ ኢንተርኔት ኣማዞን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣተኣጓጒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩባንያ ኣማዞን ኢንተርኔት ምቁራፁ ስዒቡ ብዙሓት መተግበሪታትን ባንኪታትን ኣገልገሎት ምሃብ ኣቋሪፆም፡፡
ስናፕቻት፣ ዶሊንጎን ሮብሎክስ ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ዘበሉ መተግበሪታት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሎይድስ፣ ሃሊፋክስን ባንክ ኦፍ ስኮትላንድን ብምኽንያት ምቁራፅ ኢንተርኔት ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉ ተገሊፁ፡፡
ብዙሓት ናይ ባንኪን ዝተፈላለዩ መተግበሪታትን ዓማዊልን ብምኽንያት ምቁራፅ ኢንተርኔት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ሪፖርት እናገበሩ ከምዝርከቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ኣማዞን ኣገልግሎት ዝተቛረፀሉ ምኽንያት ብምፅራይ ህፁፅ መፍትሒ ንመሃብ እነሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!