Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ጀርመንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ጀርመንን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ውልቀ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ኣብ በኮትዲቯር ኣቢጃን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፤ ኣብ ኣፍሪካ ብውሑድን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን፣ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓት ከምኡ እውን ልምዓት ኢንዳስትሪ ኣፍሪካ ዝርኸቡ ዓውዲ ተሳትፎ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዓውዲ ውልቀ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፣ ምክትል ፕሬዚዳንት መሰረተ ልምዓትን ኢንዱስትሪያላይዜሽን ሰለሞን ኩዋይኖር ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውልቀ ምትሕብባር ንልምዓትን ዕብየትን ኣፍሪካ ኣበርክቶ ንኽገብር ንዝግበር ፃዕሪ ክሕግዝ እዩ።

ትካሎም ኣብ ውልቃዊ ዓውዲ ሓደሽቲ ዕድላት እናፈጠረ ምዃኑ ብምሕባር፤ ፀገማት እታ ኣህጉር ንምፍታሕን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ይረድእ እዩ ምባሎም ኣብቲ ባንኪ ሓበሬታ ኣመላኺቶም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ጀርመን ሮላንድ ሲለር ብግዲኦም ፤ ምስቲ ባንኪ ዘለዎም ምትሕብባር ጀርመን እትኽተሎ መሰረት ስትራተጂ ኣፍሪካ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ምስ ባንኪ ልምዓት ብምትሕብባር ብምስራሕ ኣብታ ኣህጉር ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ምፍጣር ንኽእል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.