ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ንበዓል ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ “በዓል ትንሳኤ ኣርባዕተ ነገራት ዝተሰዓሩሉ ዕለት ኢዩ፤ ንሳቶም እውን ሞት፣ መግነዝ፣ መቓብርን ማህተምን” ኢሎም።
ሞትን መቓብርን ካብ ኣዳም ዝመፅኡ ዕዳታት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ ስለዝተብሃለ፣ መግነዝ ድማ ናይ ፈታዊ፣ ማህተም ናይ ፀላኢ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ሰብ በኣርባዕቲኦም ፈተና ከምዝገጥሞ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብዝተቐበሎ ዕዳ፣ ብምኽንያት እቲ ዕዳ ካብ ፈተውቱ ብዝረኽቦ መግነዝን ምልዓሉ ዘይደልዩ ፀላእቱ ብዝሕትሙዎ ማሕተም ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ናይ ዝሓለፈ ዘበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ዕዳ ኣለና ብምባል፤ እዚ ምስጋር እንትኣብዮም ፈታጽና ዘልበሱና መግነዝ ፖሊሲን ስትራቴጂን እውን ኣለና፤ ፀላእትና እውን ካብ ዕዳ ከይንወፅእ በሪ ዓፂዮምና፤ በሪ ከይኣክል ድማ ማሕተም ሓቲሞምልና ኢዮም ኢሎም።
ንሕና ግን ናይ ትንሳኤ ጌታ ኣምሂሩና ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዕዳ ብሃገራዊ ዘተ፣ ብስግግር ፍትሒን ብፕሮግራም ተሃድሶን ክንስዕሮ ኢና ኢሎም።
ነቲ መግነዝ ድማ ብሪፎርም ክንፈትሖ ኢና ዝተዓፀወና በሪ ክንከፍት፤ ማሕተም እውን ክነምክኖ ኢና ኢሎም።