Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ልኡኻት ኣዘርባጃን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ኣቦ መንበር ትካል ፐብሊክ ሰርቪስን ማሕበራዊ ፈጠራን ኣዘርባጃን ኦልቪ ሜዲዬቭ ከምኡ እውን ኣምባሳደር ኣዘርባጃን ሩስላን ናሲቦቭ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ብሓባር ብቕርበትን እናሰርሓ ከምዝርከባ ተሓቢሩ፡፡

ድሕሪ እቲ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣዘርባጃን ኣብ ቀረባ እዋን ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኣብ ዝኾነ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ እዚ ኣገልግሎት ብምጅማር ኣገልግሎት ሲቪል ሰርቪስ ንምዝማንን ንምቅልጣፍን እናወገነቶት ትርከብ ተግባር ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣቦ መንበርን ኣምባሳደር ኣዘርባጃንን ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ብምርካብ ታሪኻዊ ክብሪታት ኢትዮጵያ ዘርኢ ሙዚየም ተዓዚቦም።

ኣብቲ ሙዚየም ዝተመልከቱዎም ነገራት ኣዚዮም ዘደንቑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.