ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ኣመራርሓ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓዱሽ ምስ ዝተመረፁ ኣመራርሓ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዘቲዮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሃገራዊ ምርጫ መጅሊስ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ንክካየድ ምግባሮም ንህዝበ ሙስሊምን ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪን ንኢዶም።
እቲ ናይ መጅሊስ ምርጫ ፍፁም ሰላማዊ፣ ሓቛፊን ኣሳታፊን ብዝኾነ መገዲ ምክያዱ ትምህርቲ ዝህብ ኢዩ ኢሎም።
መንግስቲ ምስ ኣመራርሓ እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ብሓባር ብምዃን ሃገራዊ ዛዕባታት ብዝበለፀ ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ዘድሊ ኩሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ደገፍ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!