ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝኽበሩ በዓላት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓታት ፀጥታ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ኣመራርሓታት ፀጥታ ፌዴራል፣ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ኣብ ወርሒ መስከረም ዝኽበሩ በዓላት ዙርያ ዘትዮም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብዚ ወርሒ ዝኽበሩ መስቀል ደመራ፣ ኢሬቻን ካልኦት ህዝባዊን በዓላት ኣደባባይን ብዓወት ንክኽበሩን ብሰላም ክዛዘሙን ዝተገበረ ምድላዋት ገምጋም ኣካይድና ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ ዝተገበሩ ኣከባብራ በዓላት ብሓይልታት ፀጥታን ህዝብን ዕዉት ምንባሩን፣ ንዝቕፅሉ በዓላት ተመኩሮ ዝተረኸበሉ ምዃኑ ሪኢና ኢሎም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየዱ ዓበይቲ ኣደባባይ በዓላት ብሰላም ንክኽበሩ ኩሎም ትካላት ፀጥታ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምድላዋት ከምዝገበሩ እውን ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም