ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ከተማ ሃይቅ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ መሪቖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ሃይቂ ብፋውንዴሽን በላይነህ ክንዴ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ መሪቖም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምጉብናይን ዝተዛዘሙ ፕሮጀክታት ስራሕ ኣብ ምጅማርን ይርከቡ።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ብፋውንዴሽን በላይነህ ክንዴ ገበታ ንሃገር ዝተሃነፀ 1ይን 2ይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃይቂ መሪቖም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ 1976 ዓ/ም ጀምሮ ኣገልግሎት እናሃበ ዝነበረ ይኹን እምበር ብበዝሒ ዕድመ እናፈረሰ ከምዝነበረ እቲ ቤት ትምህርቲን ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ቤት ትምህርቲ ብሓገዝ በዓል ሃፍቲ በላይነህ ክንዴ ከምብሓዱሽ ተሃኒፁ ልዕሊ 2 ሺሕ ተምሃሮ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ተፈጢሩሉ።
ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ 75 ሚሊዮን ብር ወፃእ ዝተገበረሉ እንትኸውን፤ 16 መምሀሪ ክፍሊታት ኣለዉዎ።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!