ምዕራፍ 19 ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ፅባሕ ብድሙቕ ኩነታት ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሰለስተ ኣዋርሕ ብጠንካራ ውድድር ክካየድ ዝፀንሐ ፋና ላምሮት ፅባሕ ምዕራፍ 19 ውድድር ፍፃምኡ ብድሙቕ ኩነታት ክካየድ ኢዩ።
ንፍፃመ ዝበቕዑ፥ ብሩክ ሰለሞን፣ ዮሴፍ ጉልላት፣ ካሳሁን ዘውዱን ኤፍሬም ጌታቸውን ፅባሕ ልዑል ንሕንሕ ንምግባር ተዳሊዮም ኣለዉ።
እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ሰለስተ ዙር ዝመረፅዎም ሙዚቃታት ምስ ባንድ ኮኾብ ብምዃን ዘቕርቡ እንትኾኑ፥ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ነቶም ተወዳደርቲ ናይ 1 ሚሊየን ብር ሽልማት ኣዳሊዩ ኣሎ።
ተወዳደርቲ ብመሰረት ውፅኢቶም፥ 400 ሺሕ ብር፣ 300 ሺሕ ብር፣ 200 ሺሕን 100 ሺሕን ብር ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ንዝሓዙ ሽልማት ክወሃብ ኢዩ።
ብድሙቕ ስነ ሰርዓት ኣብ ዝካየድ እቲ ውድድር ፍፃመ ሓደ ድምፃዊ ጋሻ ኮይኑ ክርከብ ኢዩ።
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እቲ ቀዳም ዝካየድ ውድድር ፍፃመ ብፋና ቴሌቭዥን፣ ፋና ኤፍ ኤም 98.1ን ክልል ኤፍኤማት፣ ፋና ፌስቡክን ቴሌግራምን ሓዊሱ http://xn--www-86o.fanabc.com/ ካብ 6፡00 ጀሚሩ ብቐጥታ ፈነወ ብምክትታል ብ8222 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ናይ ተወዳደርቲ ኮድ ብምልኣኽ እናተሃደስኩም ንክድግፉ ኣንጊዱ።
ብለምለም ዮሃንስ