Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዕባለ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ኤግዚቢሽንን ፎረምን ምንቅስቓ ብኽለት ኢትዮጵያ 2025 ተጀሚሩ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትሩ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕራት መንግስታት (ኮፕ2032) ንኽተሰናድእ ዝተመረፀት ኢትዮጵያ ሰፋሕቲ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ እናወገነት ትርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተማለአ ለውጢን ምዕባን ንምምፃእ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እዚ ዘላቒ ልምዓትን ለውጢ ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ምልውዋጥ ክሌማዊ ለውጢ፤ ምጭንናቕ ከተማታትን ትሑት ቀረብ ሓይሊን ንልምዓት ፈተናታት ከምዝኾኑብምሕባር÷ ኢትዮጵያ ነቶም ፀገማት ብምርዳእ መፍትሒ ንመሃብ ካብ ጠረጴዛ ተኮር ናብ ተግባር ተኮር ስራሕ ከምዝተሰጋገረት ኣብሪሆም፡፡

ንሓለዋይ ልምዓት ንጭነቕ ንቀፃሊ ትውልዲ ስለነሓስብ ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ንሓለዋይ ልምዓት ዝሃበቶ ትኹረት ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንዓለም ዝተርፍ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.