Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ሃገር ዘረጋግፅ ናይ ሓባር ያታ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዕባለ ሃገር ዘረጋግፅ ናይ ሓባር ያታ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም ኣይተ መሓመድ እድሪስ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ብሄራዊ ያታታት ንምሕንፃፅ ዛዓለመ ሃገር ለኸ ጉባኤ ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘገናዘበን ብህብረ ብሄራዊነት ዝተቓነየን ኣካቢ ያታ ምህናፅ ኣድላዪ ኢዩ።

ኣብ ዘበናት ዝተዘርኡ ከፋፈልቲ ያታታት ንህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ እናውደቑ ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ እዚ ዘትርፍን ምዕባለ ሃገር ዘረጋግፅን ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

እናተሃነፀ ዝርከብ ሓበራዊ ያታ ንትማሊ ዝወቅስ ዘይኮነስ ሎሚ ዝሐሸ ንምግባርን ፅባሕ ብተስፋ ንምትላምን ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ድማ ትውልዲ ኣብ ዙሪያ ሓበራዊ ያታ ዘለዎ ግንዛበን ርድኢትን ንምዕባይ ብቖራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.