ምዝዛም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣፍሪካውያን ምንቅቓሕ ፈጢሩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ መንፈስ ይክኣል ካብ ዘረባ ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብ ኣፍሪካውያን ምንቅቓሕ ፈጢሩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ወፃኢ ተግባራት ዙሪያ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ግድብ መርኣያ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም።
ምዝዛም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣፍሪካውያን ምንቅቓሕ ዝፈጠረ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ናይ ምረቓ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሻት ትኹረት ሰሒቡ ኢሎም፡፡
እቲ ግድብ ናይ ይክኣል መንፈስ ካብ ዘረባ ናብ ተግባር ዝቐየረ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ፕሮጀክትታት ሓዊሱ ውፅኢታዊ ምሕደራ ፕሮጀክት ተመኩሮኣ ንኻልኦት ትካፈል ምህላዋ እውን ገሊፆም።
ምዝዛም እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን እቲ ዞባን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ግደ ዘዕቢ እዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!