ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ብሄራዊ ረብሓና ንምርግጋፅ ንድሕሪት ዝጎትተን ነገር ከምዘየለ መርአያ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዝዛም ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ብሄራዊ ረብሓኣ ንምርግጋፅ ንድሕሪት ዝጎታ ነገር ከምዘየለ ዘርአናሉ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታው ከምዝበሉዎ÷ ንኣባይ ኣልሚዕኻ ንዕቤት ሃገር ምውዓል ዘይምኽኣል ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ዘበናት ሕራነ ነይሩ፡፡
እዚ ሕራነ ንምቕያር ድማ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ብሓድነት ጠጠው ብምባል ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብርእሰ ሃፍቲን ዓቕሚ ምዝዛም ክኢልና ኢና ኢሎም።
ምዝዛም ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንሓደ ሸቶ እንድሕር ተሓባቢርና ብሄራዊ ረብሓና ካብ ምርግጋፅ ንድሕሪት ዝጎታ ነገር ከምዘየለ ዘረጋገፅናሉ ኢዩ ክብሉ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡
መንግስቲ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ከም ግድብ ህዳሰ ዝበሉ ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ሃቂኑ እናወገነ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡
ዜጋታት ኣብ ቀፃሊ ብሄራዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ኣብ ዝስርሑ ተግባራት ተሳትፎኦም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እውን ሓቲቶም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ ኣብነት ዝኾነ ሃገራዊ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!