Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ መረፅቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምዝገባ መረፅቲ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡

ምዝገባ መረፅቲ ምጅማሩ ስዒቡ ደማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዜጋታት ናብ መረፃ ጣቢያታት ብምኻድ ናይ መረፃ ካርዲ እናወሰዱ ይርከቡ፡፡

ኣብቲ ከይዲ ምዝገባ 18 ዓመት ዝመልኦ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብቲ ከባቢ 6 ወርሒ ዝነበረን ብፍሉይ ኩነታት ንኽመርፅ ዘይተኸልከለን ኩሉ ዜጋ ክሳተፍ ከምዝኽእል ተሃቢሩ፡፡

እቲ ምዝገባ ካብ ሎሚ መዓልቲ 28 ለካቲት ክሳብ 1 መጋቢት ኣብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ከምዝካየድ ሓበሬታ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ የመላኽት፡፡

በቲ ቦርድ ካብ ዝመዝገቡ 47 ፓርቲታት ፖለቲካ 10 ሺሕን 934 ሕፁያት ዝቐረቡ እንትኾኑ÷ 2 ሺሕን 98 ሕፁያት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፤ 8 ሺሕን 736 ድማ ናይ ክልል ተወከልቲ ኢዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.