Fana: At a Speed of Life!

ምድላው ሆቴላት ንጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ንዝካየድ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሆቴላት ኣጋይሸን ንምቕባል ተሰናዲአን ኢሉ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ብሌን መላኩ እቲ ማሕበር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት ከምዝበለኦ÷ ሆቴላት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ኣጋይሽ ንምቕባልን ዝሐሸ እንግዶት ንመሃብን ምድላወን ዛዚመን፡፡

እቲ ማሕበር ኣጋይሽ ዝደልዩዎ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ሆቴላት ኣድላዪ ምድላው ገይሩ ኢዩ እውን ኢለን።

ዘተኣማምን ድሕንነት ከምኡ እውን ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንመሃብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዓውዲ ቱሪዝም ሰፊሕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ እውን ሓቢረን፡፡

ኣብታ ከተማ ኣኼባ ንምስታፍ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ባህሊን ክብሪን ሃገር ብዝሓለወ መልክዑ ከምዝእንገዱ ኣመልኪተን።

መብፅሒታት ቱሪዝም ከምኡ እውን ባህሊን ክብሪታትን ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ኣገልግሎት ቱሪዝም ንዝህቡ ስልጠና ከምዝተውሃበን እኹል ምድላው ከምዝተገበረን እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብሪሀን፡፡

ሆቴላት ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ሃገረን ብግቡእ ንኽሰርሑ ካብ ቋንቋ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ብምውሳድ ምድላው ከምዝገበሩ ተዛሪበን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.