Fana: At a Speed of Life!

ምድሪ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ጉዕዞ ምዕባለና ዝሽከም ንክኸውን ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትራንስፖርት ምድሪ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ጉዕዞ ምዕባለና ዝሽከም ንክኸውን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ታከለ ኡማ (ኢ/ር)።

ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ኣብ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ትራንስፖርት ምድሪ ኣብ ፅባሕ ዓወት ዓድዋ ዝተነበረ ኣሰርን ናይ ቀደም ኣቦታትና ውፅኢት ሕልምን ቃልሲን ኢዩ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ ምስ ዓለም ዘራኽብን መተኣሳሰሪ መሰረተ ልምዓት ህዝብታት ጂቡቲ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እቲ ትካል ነክልቲአን ሃገራት ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ካብ መንጎ መግለፂ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ ከምኡ ‘ውን ሓፈሻዊ ኩነታት እዛ ሃገር ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ናይ ሰለስተ ዓመታት ስትራቴጂክ ትልሚ ብምቕራፅ ክብሪታት ምዕባለ ንዓለም እንገልፀሉ ንክኸወን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.