ምፍርራም ስምምዕነት ኢትዮጵያን ብራዚልን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሓባር ንምስራሕ ክልተኣዊ ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያ ተሞክሮኣ ዘካፈለትሉ ካልኣይ ጉባኤ ውሕስና ምግቢ፣ ጥሜት ምክልኻልን ልምዓት ገፀርን ብራዚል-ኣፍሪካ ኣብ ብራዚል ተኻይዱ፡፡
እቲ ጉባኤ ብዝምልከት እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሓባር ንምስራጀሕን ዘለወን ርክብ ንምጥናኻርን ክልተኣዊ ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝስርሑ ስራሕቲ ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ብራዚል ኣብ ዝሰርሐቶም ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብብርኪ ዓለም ልእለ ሓያል ክትከውን ከምዝኸኣለት ኣልዒሎም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ