Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጥምቀት፣ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፣ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ደው ኢሉ ኢልና እነኽብሮ በዓል ኢዩ ኢሎም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ህዝቢ ፀገም ንምፍታሕ ምግባር ዝግበአና ኣርባዕተ ነገራት ኣምሂሩና ኢዩ ብምባል፥ ንሳቶም እውን ናብ ህዝቢ ምውራድ፣ ንባዕልኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ህዝቢ ዝደሊዮ ጥራሕ እንተይኮነስ ንህዝቢ ዘድሊ ምግባርን ዕላማኸ ጥራሕ ምርኣይን ኢዮም ኢሎም።

ነዚኣቶም ብምትግባር ንኢትዮጵያ ናብ ምዕባለ ምብፃህ ከምዝከኣል እውን ተዛሪቦም።

ሎሚ ዘበን እነኽብሮ በዓል ጥምቀት ነቶም ዝተገለፁ ትምህርቲ ብምውሳድ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.