Fana: At a Speed of Life!

ሞሓመድ ሳላህ ኮኸብ ተፃዋታይ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እዚ ዓመት ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ሊቨርፑል ግብፃዊ ሞሓመድ ሳላህ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ ተፃዋታይ ዘበነ ውድድር 2024/25 ብምዃን ተመሪፁ፡፡

ሳላህ ኣብዚ ውድድር ዓመት ንሊቨርፑል ኣብ ዝገበሮም 37 ፀወታታት፤ 28 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 18 ንሸቶ ዝኾና ኮዓሻሹ ኣመዓራሪዩ ከቐብል ክኢሉ፡፡

28 ሸቶታት ብምምዝጋብ እውን ኮኸብ መቑፀራይ ሸቶ እቲ ሊግ እናመርሐ ይርከብ፡፡

ዘበነ ውድድር 2024/25 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፅባሕ ፍፃምኡ ክረክብ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.