ሞያዊ ብቕዓት ምዘና መረጋገፂ ዘይሓዘ ኣሸከርካሪ ምሽክርካር ኣይኽኣልን – ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ዝተትሓዘ ዓመት ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ኣብዚ ዓመት ሞያዊ ብቕዓት ምዘና መረጋገፂ ኣሽከርከርቲ ከምዝጅምር ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ብቕዓት ምዘና ምውሃብ ዘድለየ 83 ሚኢታዊ ኣብታ ሃገር እናበፅሐ ዝርከብ ሓደጋ ትራፊክ ምስ ኣሽከርከርቲን ተሸከርከርን ብምትሕሓዙ እዩ ተባሂሉ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣብዚ ዓመት ምዘና ኣብ ስራሕ ዘለው ኣሽከርከርቲ ከምዝጅምር ሚኒስትር ዴኤታ ኣማኻሪ ኣሰፋ ሃዲስ ኣረጋጊፆም።
በዙይ መሰረት ኣብ ህዝብን ደረቕ ፅዕነትን ካብ 1 ክሳብ 3 ኣብ ዘለው ደረጃታት ከምኡ እውን ፈሳሲ 1ን 2ን ኣሽከርከርቲ ሞያዊ ብቕዓት ምዘና ከምዝውሃብ ኣብሪሆም።
እቲ ናይ ሞያ ብቕዓት ገምጋም ምሃብ ነቶም መራሕቲ መካይን ሞያዊ ስልጠና ከምዝወሃቦም ኣፍሊጡ።
ድሕሪ እቲ ስልጠና ድማ ሞያዊ ብቕዓት ምዘና (ሲኦሲ)ከምዝወስዱን እቲ ፈተና ዝሓለፉ መንጃ ፍቃድ ብዓለም ለኸ ተቐባሊነት ከምዝህልዎ ገሊፆም፡፡
ሞያዊ ብቕዓት ምዘና መረጋገፂ ወረቐት ዘይብሉ ኣሽከርካሪ ምሽክርካር ከምዘይኽእል ኣተሓሳቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ሞያዊ ብቕዓት እቲ ምዘና ታክሲ ሓዊሱ ካልኦት ኣሽከርከርቲ ተግባራዊ ከምዝኾን ሓእሮም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ