ረቂቕ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት መሰል፣ ድሕንነትን ዘላቒ ተረባሕነትን ዜጋታት ንምርግጋፅ ዘኽእል ኢዩ – ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ረቂቕ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ብዝምልከት ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝጋውሑ ሓበሬታታት ግቡኣት ዘይኮኑ ኢዮም ኢሉ፡፡
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘቕረቦ ረቂቕ ኣዋጅ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝቐረበን እቲ ባይቶ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ፣ ምውፋር ስራሕን ቴክኖሎጂን ከምዝመርሖ ይዝከር።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ናይ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን መሰል፣ ድሕንነትን ዘላቒ ረብሓን ንምሕላው ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ ጠመላኽት፡፡
ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ንምብርትታዕን መሰል፣ ድሕንነትን ተረባሕነትን ዜጋታት ንምድንፋዕነ ከምኡ እውን ሃገር ካብቲ ዓውዲ ትረኽቦ ረብሓ ንምዕባይ እቲ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንምዝማን ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡
ሸቶን ዕላማን እቲ ረቂቕ ኣዋጅ እውን መሰል፣ ድሕንነትን ዘላቒ ተረባሕነትን ዜጋታት ንምርግጋፅ፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ዘይሕዊ ስራሕቲ ንምግታእን ሃገራዊ ረብሓ ምሕላውን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ኣወሃህባ ፍቓድ ከምዝህሉ ምግባር ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት ሓደ እንትኸውን÷ ኤጀንሲታት ብዘዋፍሩዎ በዝሒ ሓይሊ ሰብ፣ ክእለት፣ ዘፈር ሞያ፣ መበገሲ ካፒታል ከምኡ እውን ተተሓሓዝቲ መለክዒታት ኣብ ግምት ብምእታው ደረጃ ከምዝወሃብ ኢዩ።
እቲ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ኤጀንሲታት ኣብ ዕፁው ኣካውንት ባንኪ ከቕምጡዎ ዝግደዱ ዝተሓተ መጠን ገንዝብ ካብ 100 ሺሕ ናብ 50 ሺህ ዶላር ክወርድ ገይሩ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ጥቡቕ ቁፅፅር ፋይናንስ ኤጀንሲታት ንዋሕስ ዘትሕዙዎ ገንዘብ ብካሽ ኣብ ባንኪ ንኽቕመጥ ዘገድድ እንትኸውን÷ እዚ ገንዘብ ድሕንነት ዜጋታት ንምኽባር ዝውዕል ከምዝኾነን ኤጀንሲታት ንዝለኣኹዎም ዜጋታት ግቡእ ሓላፍነት ክወስዱ ዝገብርን ኢዩ።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ምውፋር ስራሕ፣ ናይ ስልጠና ምደባ፣ ምዘና ብቕዓት ሓዊሱ ካልኦት ኣገልግሎታትን ግልፂን ካብ ሰብ ንኽክእ ናፃ ብዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ክህልዎም ዝገብር ኢዩ።
ብሓፈሻ ኣብ መሰል፣ ክብሪን ድሕንነትን ዜጋታት ብንድርዳር ሃብት እናኻዕበተ ዝነበረ ሓይሊ ዝዓግት ጥራሕ ዘይኮነስ በቢብርኩ ረብሓ ሃገርን ዜጋታትን እናጎድኡ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ረብሓ መኻዕበቲ ዝነበረ ሸንሸል ብምብጣስ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘዕስል ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣብዚ ሰሙን እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተጋውሑ ሓበሬታታት ግቡኣት ከምዘይኮኑ እቲ ሚኒስቴር ኣገንዚቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦