Fana: At a Speed of Life!

ረብሓታት ጥዕና ፆም….

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ብሰዓብቲ እስልምናን ልዑል ትኹረት ዝውሃም እዋን ፆም ንርከብ፡፡

ፆም ብብዙሓት ህዝብታት ዝካየድን ብፍላይ ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ልዑል ቦታ ዝውሃቦ ተግባር ከምዝኾነ ኣቦታት ሃይማኖት ይምህሩ፡፡

ፆም ሃይማኖታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ዝፍፀም ተግባር እንትኾን፤ ካብ ምግብን መስተን ንዝተወሰነ ግዘ ምግዳብን ምርሓቕን ዘጠቓልል እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ዝወፅኡ ውፅኢታት መፅናዕቲ ከምዘመላኽትዎ፤ ኣብ መዓልቲ ካብ 16 ክሳብ 18 ሰዓታት ብዘይ ምግቢ ምሕላፍ ዝተፈላለዩ በረኸታት ጥዕና ከምዘለዎ ይሕብር፡፡

ፆም ከከም ክብደት ኣካላትና ኣቀማምጣናን ዕድመናን ዝተፈላለየ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ ክኢላታት ኣመጋግባ ይገልፁ።

ኣማኻሪት ስነ ምግቢ ቤተልሄም ላቀው ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርኦ ፃንሒት፤ ካብ ፆም ዝበለፀ ረብሓ ንምርካብ ሓደ ምግቢ ድሕሪ ምምጋብና ኣብ ቀፃሊ ንምምጋብ ድሕሪ 16 ሰዓታት ምብላዕ ከምዝምረፅ ነቲ መፅናዕቲ ብምልዓል ኣረዲኤን።

እዚ ማለት ሰውነትና ሓደስቲ ዋህዮታት ናይምቕያር ዕድሉ ልዑል ከምዝኾንን 18 ሰዓታት ድሕሪ ምምልኡ ድማ ብዝበለፀ ሴላት ብቅልጡፍ ይሕደሱ ኢለን፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ነገር ትኹረት ገይርና ናይ ምኽዋን ብቕዓትና ልዕል ከምዘብሎን ሓቢረን፡፡

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.