ሩሲያና ዩክሬን ልዑል ዝተብሃለ ልውውጥ እሱራት ሰራዊት ኣካይደን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩሲያና ዩክሬን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ልዑል ዝተብሃለ ልውውጥ እሱራት ሰራዊት ምክየደን ተገሊፁ፡፡
እቲ ልውውጥ እሱራት ሰራዊት ኣብ ቱርክ ኢስታንቡል ብዝተገበረ ቀጥታዊ ዘተ ክልቲአን ሃገራትን ምይይጥን ድሕሪ ምክያድ ስምምዕነት ዝተፈፀመ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ከምዘፍለጦ÷ ሎሚ ኣብ 303 ወተሃደራትን ዩክሬንን ሲቪላትን እንትትለቅቅ ሞስኮ እውን ብተመሳሳሊ ቁፅሪ ዘለዎም ልውውጥ እሱራት ንዩክሬን ኣረኪባ፡፡
ከም ፀብፃብ ኣርቲ ሩሲያን ዩክሬንን 1 ሺሕ ልውውጥ እሱራት ሰራዊት ንምክያድ ዝበፅሑ ሰምምዕነት ኢስታንቡል 2025 ዓ.ም.ፈ ካብ ግንቦት 23 ክሳብ 25 ግዘ ውሽጢ ተግባራዊ ገይሮም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ