Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ዩክሬንን ሰላም ንምርግጋፅ ኣሜሪካ ብትደልዮ ቕልጣፈ ክውገን ከምዘይኽእል ሩሲያ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ንምቁራፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ሰላም ኣሜሪካ ብትደልዮ ቅልጣፈ ክሳካዕ ከምዘይኽእል ሩሲያ ገሊፃ፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን እቲ ጎንፂ ብዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን መገዲ ንምፍታሕ ቆራፅ ምዃና ውሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ተዛሪቦም፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ኹናት ሕልኽልኽ ብምዃኑ ፃዕሪ ሰላም ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብዝድለ ቅልጣፈ ይስራሕ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብላ ሞስኮ ገሊፃ፡፡

ፔስኮቭ ወሲኾም ከምዝበልዎ÷ ኣሜሪካ ከይዲ ሰላም ብቅልጡፍ ንክዛዘም ድልየት ከምዘለዋ ንግንዘብ ኢና÷ኮይኑ ግና መልዐሊ እቲ ኲናት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ብሓደ ለይቲ ንምውዳእ ኣፀጋሚ እዩ ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.