ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ኣብ ውሽጡ እንታይ ሒዙ ይርከብ?
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካልኣይ ውጥን ፕሮጀክት ‘መኣዲ’ ዝኾነን ኣብ ከተማ ሃይቅ ዝርከብን ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ብዕሊ መሪቖም፡፡
እቲ ሪዞርት ተፈጥሮኣዊ ፅባቐ ወሎ፤ ዘበናዊ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ደረጃኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓታት ኣጣሚሩ ዝሓዘ ዘደንቕ ፕሮጀክት ኢዩ።
ሓፈሻዊ ስፍሓት እቲ ፕሮጀክት 13 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት ዝሽፍን እንትኸውን÷ በዓል መዓዛ ተኽሊታትን ውቁናት ሓምለዎት ቦታታትን ኣብ ውሽጡ ኣካቲቱ ኢዩ።
ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ኣብ ውሽጡ 3 ነጥቢ 70 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኣስፋልት መገዲ፣ ኣብ 67 ክፍሊታት 80 ዓራታት፣ ሙሉእ ስፓ፣ መሕመሲ ገንዳታት፣ ናይ ውሽጢን ደገን መዘውተሪ ስፖርት፣ ናይ ኣትክልቲን ፍረምረን ቦታታት ሒዙ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሓደ ግዘ ልዕሊ 100 መኻይን ንመሓዝ ዘኽእል መቖሚ መኪናን መዕረፊ ሄሊኮፕተርን ዘካተተ ኢዩ።
እቲ ሪዞርት ካብ ዝረአ ምስሉ ሓሊፉ ነቲ ከባቢ ኢሉ እውን ንኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምቅልጣፍ ልዑል መንቀሳቐሲ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም።
እቲ ፕሮጀክት ቀጥተኛን ቀጥተኛ ዘይኮኑን ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣብ ዓውዲታት ኣገልግሎት ሕርሻ፣ ትራንስፖርት፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ልዑል ምንቕቓሕ ከምዝፈጥር ኣገንዚቦም።