ሪያል ማድሪድ ንኣልቫሮ ካሬራስ ኣፈሪማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) ሪያል ማድሪድ ስፔናዊ ተኸላኻሊ ኣልቫሮ ካሬራስ ካብ ክለብ ፖርቹጋል ቤኔፊካ ኣፈሪማ።
ወዲ 22 ዓመት ካሬራስ ብ43 ሚሊየን ፓውንድ ንሪያል ማድሪድ ናይ 6 ዓመት ውዕል ኮንትራት ፈሪሙ።
ካሬራስ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዓመት 68 ፀወታታት ንቤኔፊካ ንምክያድ 6 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ፖርቹጋል ካልኣቲ ፕሪሜድሊግ ኮይና ንክትዛዝም ናይ ባዕሉ ግደ ገይሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!