Fana: At a Speed of Life!

ሪያል ማድሪድ ንፍራንኮ ማስታንቱኖ ብዕሊ ኣፈሪማቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሪያል ማድሪድ ንኣርጀንቲናዊ ተፃዋቲ ፍራንኮ ማስታንቱኖ ካብ ሪቨር ፕሌት ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡

እታ ክለብ ነዚ ኣርጀንቲናዊ ተፃዋታይ ንዝውውር 45 ሚሊየን ዩሮ ወፃኢ ገይራ፡፡

እዚ ወዲ 18 ዓመት ተፃዋታይ ኣብ ዕለት ልደቱ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሳንቲያጎ በርናባው ዘፅንሕ ውዕሊ ፈሪሙ፡፡

ማስታንቱኖ ኣብቲ እዋን ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየት ክለብ ሪያል ማድሪድ ብምፅንባረይ ኣዝዩ ሕጉስ እየ፤ ሕልመይ ይነብር ኣለኹ ክብል ተሰሚዑ፡፡

እዚ ተፃዋታይ ኣብ ሪያል ማድሪድ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ቁፅሪ 30 ማልያ ከምዝኽደን ተረጋጊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.