ራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ንዜጋታት ምቹው ሜላ ናብራ እናፈጠረ ይርከብ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ተወሳኺ ምስሊን ፅባቐን ሂቡ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልግና ብምዃን ኣብ ከባቢ ሳር ቤት-ጀርመን ኣደባባይ-ጋርመንትን ፉሪን ኣብ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደ ተዓዚቦም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብቲ እዋን÷ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምስሊ ከተማ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ንዜጋታት ምቹው ሜላ ኣነባብራ እናፈጠረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ነከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሳኺ ምስሊን ፅባቐን ምሃቡ ኢዮም ሓቢሮም፡፡
እቲ ስራሕ ፍሰት ትራፊክ ኣብ ምቅልጣፍ፣ መገዲታት ንእግረኞታት ምቹው ብምግባርን ዝተሃነፁ ሹቓት ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!