Fana: At a Speed of Life!

ራፊንሀ -ኣብ ላሊጋ ስፔን ኮኸብ ተፃዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብራዚላዊ ተፃዋታይ ካታላዊት ጋንታ ባርሴሎና ራፊንሃ ኮኾብ ተፃታይ ዓመተ ውድድር 2024/25 ላሊጋ ስፔን ብምባል ተመሪፁ፡፡

ራፊንሃ ኣብቲ ዓመተ ውድድር ንባርሴሎና 36 ፀወታታት ላሊጋ ብምግባር 18 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ትሽዓተ ንሸቶ ዝኾና ኮዓሻሹ ኣመዓራሪዩ ከቐብል ክኢሉ፡፡

ባርሴሎና ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር ብሃንሲ ፍሊክ እናተመርሐት ፅዋዕ ላሊጋ ስፔን ንኸተዕውት ራፊንሃ ዕዙዝ ግደ ነይሩ፡፡

ራፊንሃን ሓዊሱ ላሚን ያማል፣ ሮበርት ሌዋንዶውስኪ፣ ቪኒሸስ ጁኒየር፣ ጁድ ቤሊንግሃም፣ ኪሊያን ምባፔ፣ ሳንሴት፣ ኢስኮን ፔድሪን ሕፁያት እቲ ሽልማት ነይሮም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-

Website www.fanamc.com/tigrigna

Faceboo kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.