Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ንግዲ ኢትዮጵያን ሩስያን እናዓበየ መፂኡ – ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተረክሂን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ንግዲ እናዓበየ ምምፅኡ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተረክሂን ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ንክልተኣዊ ኢኮኖሚ ልምዓትን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ዝገለፁ ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተረክሂን፤ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብብርኺ ዓለም መድረኽ ርክብ ዘለዋ ታሪኻዊ ግደ ብዝበለፀ ዘሐይል እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩስያን ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር መሰረት ከምዝኾን ሓቢሮም፡፡

ኩባንያታት ሩሲያ ዓቕሚ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብምርዳእ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ሕርሻ ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ኣረዲኦም፡፡

ሓደሽቲ ኩባንያታት ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እናተዋፈሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፤ በዙይ እውን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ርክብ ብዝበለፀ እናዓበየ ምምፅኡ ምርድኦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባሮም ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ብምሕባር፤ 2024 ዓ.ም.ፈ ፈለማይ 10 ኣዋርሕ ዝነበሮም ልውውጥ ንግዲ ናብ 40 ሚእታዊ ምውሳኹ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ውክልና ንግዲ ሩስያ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘለውዋ ዕድላት ንምጥቃም ካብ ዝደልዩ ኩባንያታት ሕቶታት እናቀፀለ ምዃኑ ገሊፆም።

ንግዲ ልውውጥ እተን ሃገራት ንምዕባይ እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ኢኮኖሚ ዞባታት ውሽጢ ምውፋር ዝደልዩ ትካላት ንግዲ ሩሲያ ሰፊሕ ዕድላት ምንባሮም ተዛሪቦም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.