ርክብ ወፃኢ ማእኸልን መሰረታዊ ስሕበትን ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ዜጋታት ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርክብ ወፃኢ ማእኸልን መሰረታዊ ስሕበትን ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ዜጋታት ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ።
መበል ሻድሻይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ከልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስራሕተን ንክጅምራ በምብሳር መኽፈቲ መደረ ኣካይዶም።
ኣብቲ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት፥ ምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ኣመዝጊቡ ኢሎም።
ርክብ ወፃኢ ማእኸልን መሰረታዊ ስሕበትን ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ዜጋታት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም
ጂኦስትራቴያጂያዊ ቁመና ኢትዮጵያ ኣብ ምውዳብ ከመዝርከብ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ካብ ተዓዛቢነት ናብ ኣጀንዳ ተላሚነትን ፅዕንቶ ፈጣሪነትን ንምሽግጋር ኣኽኢሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!