Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ብምፅናዕ ተረባሕነት ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ- ድረስ ሳህሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ሰላም ብምፅናዕ ተረባሕነት ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ዓውዲ ልምዓት ገፀር እቲ ክልል  ድረስ ሳህሉ (ዶ/ር)።

ካብ ክልቲኡ ዞባታት ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ከተማ ጀዋሃ ኣብ ክሊ ልምዓትን ሰላምን ዘቲዮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፥ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ወፍሪ ፅልኣት ሰብኣዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣት ኣጋጢሙ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲን ህዝብን ብመሰረት ዝገበርዎ ዝተዋደደ ሰላም ናይ ምፅናዕ ተግባር ማሕበራዊ ዝምድና ማሕበረሰብን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብ ሕቶ ሰላም ናብ ባህጊ ልምዓት ተሰጋጊርና ኣለና እወን ኢሎም።

ስለዝኾነ ብሓባር ዝፈጠርናዮ ሰላም ኣፅኒዕና ክነቐፅል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ብኣለባቸው ኣባተ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.