Fana: At a Speed of Life!

 ሰላም ከተማና ብዝኾነ ይኹን እኩይ ተግባር ንከይዕንቀፍ ገይርና ኢና- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰላም ከተማና ብዝኾነ ይኹን እኩይ ተግባር ንከይዕንቀፍ ገይርና ኢና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብክልሰ ሓሳብን ተግባርን ዝሰልጠኑ ሓምሻይ ኮርስ ምልምል ሰራዊት ሰላም ሎሚ ተመሪቖም።

ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ቲ መድረኸ ተረኺበን ኣብ ዘስምዕዑ መደረ፥ ሰላም ምፅናዕን ምክንኻንን ናይ ሕድ ሕድ ዜጋ ሓላፍነት ኢዩ ኢለን።

ሰራዊት ሰላም ካብ መንጎ ህዝብና እናመልመልና ሰላም ከተማና ብዝኾነ ይኹን እኩይ ተግባር ንከይዕንቀፍ ገይርና ኢና ክብላ ገሊፀን።

ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ሓዊሱ 275 ኣባላት ሰራዊት ሰላም ንህንፀት ሰላም፣ ንስሉጥ ለውጢ ኢኮኖሚን ንማሕበራዊ ምንቅስቓስን ንዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊነን።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ሰላም ጉልበቶም፣ ፍልጠቶምን ጊዚየኦመን ብናፃ ብምሃብ ዘገልግሉ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ምስ ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ብምዃን ሓላፍነቶም ብዝግባእ ንክዋፅኡ ምትሕስሳበን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.