Fana: At a Speed of Life!

ሰልጠንቲ ሰመር ካምፕ ፀገም ዝፈትሑ ምህዞታት ምስራሕ ክኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣካዳሚ ሳይንስን ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነት (ኢንሳ) ኣብ ሰመር ካምፕ ስልጠና ዝወስዱ ሰገናት ፀገም ዝፈትሑ ምህዞታት ምስራሕ ክኢሎም።

ሰልጠና ምርካቦም ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ ብዝረኸብዎ ስልጠና መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ዘኽእል እኹል ፍልጠት ረኺቦም፡፡

እቲ ስልጠና ሳይበር ድሕንነት ዘረጋግፅ ሓደሽቲ ሶፍትዌራት ብምምዕባል ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምስራሕ ውፅኢታዊ ክኾኑ ኣኽኢልዎም እዩ።

እቶም ሰገናት ካብ መንጎ ውፅኢት ቴክኖሎጂታት÷ መስተ ሰቲካ መኪና ምሽክርኻር ዘምፅኦ ሓደጋ ትራፊክ ንምክልኻል፣ ፅርየት ከባቢ ንምሕላውን ብኽለት ንምክልኻልን ዝሕግዙ ውፅኢታት ቴክኖሎጂታት ይፅርሑ።

መርሃ ግብሪ ስልጠና ሰመር ካምፕ 20 ሚእታዊት ስልጠና ዝኸታተሉ እንትኾን÷ ዝተረፉ 80 ሚእታዊት ድማ ናይ ርእሶም ክእለት ዝፍትሽሉ ፈተነ እዩ።

ዳይሬክተር ማእከል ልህቀት ሳይበር ኢንሳ ቢሻው በየነ ሎሚ ዓመት ሳይበር ታለንት ቻለንጅ ስልጠና ሰመር ካምፕ ካብ 1 ሓምለ ክጅምር እዩ ኢሎም፡፡

ብማህሌት ካሳሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.