Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ዑደት እናገበሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሮኬታት ተኲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰሜን ኮሪያ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ክልቲአን ኮርያታት ኣብ ዘዋስን ከባቢ ዑደት እናገበሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሮኬታት ተኲሳ።

ሰሜን ኮሪያ ኣብዚ ሰሙን ብዙሕ መወንጨፊ ሮኬት ስርዓታ ናብ 10 ዝፅግዑ ሮኬታት ምትኳ ጦር ደቡብ ኮሪያ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ሮኬታት ኣብ ምዕራባዊ ፓስፊክ ውቅያኖስ ናብ ዝርከብ ማያዊ ኣካል እንትኸውን፥ ዘብፅሑዎ መጠን ጉድኣት እናተፃረየ ከምዝርከብ እቶም ሚኒስትራት ምክልኻል ተዛሪቦም፡፡

ዝተወንጨፉ ሮኬታት ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ፒት ሄግሰትን ናይ ደቡብ ኮሪያ መዘነኦም ኣህን ጂዩ ባክን ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝገበሩዎ ዑደት ሓደ ሰዓት ቀዲሙ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሰሜን ኮሪያ ብተመሳሳሊ ቅድሚ መዓልቲታት ፕሬዚዳንት ደቡብ ኮሪያ ሊ ጄ ምያንግ ምስ ቻይና መዘነኦም ሺ ጂንፒንግ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣኼባ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እስያ-ፓስፊክ መድፍዕ ሮኬታት ተኲሳ ኢያ ክብ ሚኒስቴር ምክልኻል ደቡብ ኮሪያ ከሲሱ፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.