ሰሜን ኮሪያ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዚዳንት ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ንምርኻብ ደልዊ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፆም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሰሜን ኮሪያ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ።
ሰሜን ኮሪያ ነቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ምብራቕ ወሰን ባሕሪ ምውንጫፋ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ኣፍሊጠን።
ሰሜን ኮሪያ ምስ ቻይና ኣብ እትዳቦቦሉ ሰሜን ምዕራብ ሸነኽ እታ ሃገር ዝተወንጨፈ ሚሳኤል ከምዝኾነ ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሳናይ ታካኢቺ ብግደኦም፥ እቲ ባለስቲክ ሚሳኤል ካብ ኢኮኖሚ ዞባ ጃፓን ወፃእ ምዕላቡ ገሊፆም።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!