Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ተግባር ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኢሎም ዋና ኣዛዚ መበል 11 እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ።

“ሰላም ንኩሉ፣ ኩሉ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻልን ኣባላት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያን ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ወልዲያ ተኻይዱ።

ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፅንፈኛ ጉጅለ ካብቲ ከባቢ ናይ ምፅራግ ተግባር ብውፅኢታውነት ቀፂሉ።

እቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ እዚ ንምዕዋት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ንኽዋፅኡ ኣገንዚቦም።

ን ምስራቅ ዕዝ ምክትል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሜጀር ጄኔራል ተስፋዬ ኣያሌው ብግደኦም÷ ባዕዳውያን ኣብ ወገናትና ኣጀንዳኦም ንምፍፃም ዝገብሩዎ ፈተነ ከምዘይዕወት ተዛሪቦም።

ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ወልዲያ ዱባለ ኣብሬ÷ ታሪኻዊ ፀላእትናን ተለኣኣኽቲ ባንዳታትን ተዋዲዶም ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምህዋኽ እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪ ብጅግና ሰረዊት ምክልኻልን ዝተዋደደ ተሳትፎ ሕብረተሰብን እናቀሃመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሰላም ኣፅኒዕኻ ክቕፅል ብምግባር ዕቤትን ምዕባለን ነምርግጋፅ ምሁራንና ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ኣበበ ግርማ (ዶ/ር) መምህራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ፀገም እቲ ከባቢ ንምፍታሕ ብፍልጠትን ምርምርን ዝተሓገዘ መፍትሒ ሓሳብ ምፍልፋል ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.