ሰራዊት ምክልኻል ንድሕንነት እቲ ዞባ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም፣ ምርግጋእን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ፍሉይ ተወካሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ዋና ኣዛዚ ልኡኽቶ ድጋፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ (ኣውሶም) ኣምባሳደር ኤል ሃጂ ኢብራሂማ ዲኔ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም፣ ምርግጋእን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣረጋጊፆም።
ኣምባሳደር ኤል ሃጂ ኢብራሂማ ዲኔ ብግደኦም፤ ሰራዊት ምክልኻ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ኣውሶም ተግባራዊ ንምግባር እናበርከቶ ዝርከብን ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሶማሊያን ቀርኒ ኣፍሪካን ሰላምን ምርግጋእን ንምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሓበሬታ ኣውሶም ኣመልኪቱ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!