ሰራዊት ምክልኻል ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ጋህዲ ንኽኸውን ልኡኽቱኡ ብብቕዓት ይዋፃእ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኽኸውን ልኡኽቱኡ ብብቕዓት ይዋፃእ ኣሎ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
ሳልሳይ ዓመት ምስረታ ኮር ህዳሰ “ህዳሰ ብህዳሴ ኮር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ይኽበር ኣሎ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ከምዝገለፁዎ፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያውያን ኢዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩለመዳይ ዓወት እቲ ግድብ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝተዋፀአ ብምሕባር÷ ድሕንነት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምሕላው ልዑል ስራሕ ከምዝሰርሐ ተዛሪቦም።
ሰረዊት ምክልኻል ብሄራዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ጋህዲ ንኽኸውን ብጅግንነት ድሕንነቱ ኣብ ምሕላው ልኡኽትኡ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብተግባር ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኽትሳገር ዘበርክቶ ኩለመዳይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!