ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ስራሕቲ ልምዓት ብሙየኦም ንምድጋፍ ቁርፀኛታት ከምዝኾኑ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ሰላምን ሓድነትን ህዝብታት ኣብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ብሙየኦም ንምድጋፍ ቁርፀኛታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
“ጥበብን ሃገርን፣ ጥበብ ንኢትዮጵያ ብራኸ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ ሰብ ሙያ ኪነ ጥበብ መድረኽ ዘተ ኣብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ይሳለጥ ኣሎ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ሃይማኖት ኣለማየሁ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ሰብ ሙያ ኪነ ጥበብ ህብረ ብሄራዊነት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሎም ኣሰር ከንብሩ ይግባእ ኢሎም።
ነዚ ድማ ዓቕሚ ዓውዲ ኪነ ጥበብ ብምጥቃም ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ሓድነትን ዘንፀባርቑ ስራሕቲ ምክያድ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምክያዱ እቶም ተሳተፍቲ ተዛሪቦም።
ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፍራታት ስፖርትን መዘናግዒ ህዝብን፣ ተርሚናላት፣ ፓርክታት፣ ዓውዲታት ንግዲ ዝሓቖፉ ትካላት፣ ታሪኻዊ ቅርስታትን ካልኦት ሰብ ተኮር ልምዓትን ዑደት ኣካይዶም።
ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብዝገበሮም ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ምሕጓሶም ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ብሙየኦም ንምሕጋዝ ድልዋት ከምዝኾኑ እውን ኣረጋጊፆም።
ብሚከያስ ኣየለ